Fana: At a Speed of Life!

መፍረዪ ሼዳት ዝተረከቡ ሰብ ሃፍቲ ናብ ስራሕ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መፍረዪ ሼዳትን ዝለምዐ መሬትን ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ስምምዕነት ውዕሊ ተፈራሪሞም ዝተረከቡ ሰብ ሃፍቲ ናብ ስራሕ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ስራሕቲ ህንፀት፣ ቅድመ ኦፕሬሽንን ገጠማ ማሽንን እናዛዘሙ ከምዝኾኑ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኣብነት ድማ “ኢዘም ትሬድ ኤንድ ኢንቨስትመንት”÷ ልዕሊ 14 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር መዋእለ-ንዋይ ብምፍሳስ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣዳማ 3 ሺሕ ስኩዌር ሜትር መፍረዪ ሼድ ተረኪቡ መፍረዪ ማሽነሪታት ገጣጢሙ እናዛዘመ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ከምዝጅምርን ገሊፁ፡፡

“ኒልኮን ኤሌክትሪክ ማኑፋክቸሪንግ” ዝተብሃለ ካእ ኩባንያ እውን ልዕሊ 11 ሚሊየን ዶላር ኣብ ዞባ ናፃ ንግዲ ድሬዳዋ መዋእለ-ንዋይ ብምፍሳስ 3 ሺሕ ስኩዌር ሜትር መፍረዪ ሼድ ከምዝወሰደን ማሽነሪታት ብምምፃእ ምግጥጣም ምጅማሩ ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ እውን እቲ ኮርፖሬሽን ኣፍሊጡ፡፡

ክልቲኦም ኩባኒያታት ብሙሉእ ዓቕሞም ስራሕ እንትጅምሩ ልዕሊ 800 ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩ ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.