Fana: At a Speed of Life!

ሚኒሲትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሲትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብሩ ኢዮም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ ካብ 9 ክሳብ 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዓላዊ ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ቤት ዕዮ ሚኒሰቴር ጉዳት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዝወዴን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ክዝተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ እናተካየዱ ዝርከቡ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ሪፎርምታት ምሕጋዝ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ክዛተዩ ኢዮም ክብል እቲ ቤት ዕዮ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍካ ብዝምልከት ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ምትሕግጋዝ ክምልከቱ ኢዮም ተባሂሉ።

ማይክ ፖምፒዮ ኣፍሪካ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣብ ሃገራት ሴነጋልን ኣንጎላን እውን ዑደት ክገብሩ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.