Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኢንኮሞኮን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣገልግሎት ምምኻርን ስልጠናን ብመሃብ ምስ ዝፍለጥ ኢንኮሞኮ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ትካል ኣማኻሪ ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ዝኾነ ኢንኮሞኮ÷ ኣብ ስደተኛታት ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ኢዩ።

እቲ ትካል ኣብ ሓዱሽ ስትራቴጂኡ ደቀቕቲን ማክሮ ኢንተርፕራይዛትን ንምሕጋዝ 21 ቢሊየን ብር ኢንቨስት ከምዝገበር ተገሊፁ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ተግባራዊ ከምዝግበር ተሓቢሩ፡፡

ኢንኮሞኮ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ንልዕሊ 41 ሺሕ ፈጠርቲ ስራሕ ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

ብማህሌት ተ/ብርሃን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.