Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኣብ ምትግባር ትልሚ ልምዓት ትራንስፖርት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ምስ ኤክስኪውቲቭ ዳይሬክተር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ቼፕሮ ኣሞስ ኪፕሮኖህ  ተዛቲየን።

ክልቲኦም ሓለፍቲ፥ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ኣብ ዝትግበር መሪሕ ትልሚ ልምዓት ዘፈር ትራንስፖርት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣጋር ኮይኑ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ምዝታዮም ሚኒስቴር ትራንስፖርት ገሊፁ።

ብፍላይ ድማ እቲ ባንኪ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ካብ ዘውዕሎ 1 ነጥቢ 65 ቢሊዮን ዶላር፥ እቲ 31 ሚኢታዊ ኣብ ዘፈር ትራንስፖርት ከምዝውዕል ይፍለጥ።

ብኻሊእ መዳይ ብልቓሕ እቲ ባንኪ ልምዓት ዝዋፈሩ መሰረተ ልምዓታት ትራንስፖርትን ካልኦት ፕሮጀክታትን ንምትግባር ኣብ ዝረኣዩ ናይ ኣፈፃፅማ ፀገማት እውን ተዛቲዮም።

እቲ ባንኪ ልምዓት እውን ዝተለመደ ኣጋርነቱ ኣጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታት ምስተን ሚኒስትር ተዛቲዩ።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝህልዉ ስራሕቲ ልምዓት ብፍላይ ብሄራዊ ፖሊሲ ትራንስፖርት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሎ ዘፈር ትራንስፖርት መሪሕ ትልሚ ልምዓት ንምዕዋት ምስቲ ባንኪ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.