Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ሕዳር ብር 19 ነጥቢ 2 ቢሊን ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ሕዳር ብር 19 ነጥቢ 2 ቢሊየን ምእካቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2011 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ብዝተፈጠረ ግንዛበን ጉዳይ ግብሪ ኣጀንዳ ህዝቢ ክኸውን ብምኽኣሉን፥ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ክዓቢ ከምዝኸኣለ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ፥ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብር 18 ነጥቢ 3 ቢሊየን ንምእካብ ተተሊሙ 104 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ብምዕዋት ብር 19 ነጥቢ 2 ቢሊየን ክእከብ ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጡ።

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር እቶት ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ብምትሕብባር ዝሰርሑዎ ስራሕ ንዓወት እቲ ውፅኢት ልዑል ኣተዋፅኦ ከምዘበርከቱ እውን ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝምዝገቡ ዘለዉ ዕዉታት ውፅኢት ኣተኣኻኽባ ግብሪ፥ ትልሚ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ንምዓዋት መርኣያ ምዃኖም እውን ኣብሪሁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.