Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋረሕ ብር 282 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋረሕ ብር 282 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኣኪቡ።

ባይቶ ወከልቲ ሀዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል ሻምናይ ስሩዕ ጉባኤ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት 10 ኣዋረሕ ሚኒስቴር እቶትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣዳሚፁ።

ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀው ኣያሌው እቲ ፀብፃብ አንተቕርቡ፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋረሕ ብር 282 ነጥቢ 5 ቢሊየን ኣኪቡ ኢሎም።

ካብቲ ዝተኣከበ እቲ 168 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ካብ ታክሲ እቶት ውሽጢ ዓዲ አነትኸውን፥ 113 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ድማ ካብ ቀረፅን ታክሲን ወፃኢ ንግዲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.