Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል  ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል  ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ።

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ብምክትል ዋና ዳይሬክተር ዲፓርትመንት ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይና  ኮሚሽነር ዣሃውይ ዦው ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣብ 10 ሓምለ 2023 ብሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይናን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ዝገበርዎም ስምምዕነት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል  ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ኣብቲ ዘተ ገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ልኡኽ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራልን ማእከል ምርመራ ፎረንሲክን ዑደት ከምዝገበረ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.