Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር እቶት ስወራ ታክሲን ምጭብርባርን ኣብ ሃገር እናብፀሖ ዝርከብ ጉድኣት ኣመልኪቱ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር እቶት ስወራ ታክሲን ምጭብርባርን ኣብ ሃገር እናብፀሖ ዝርከብ ጉድኣት ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ጅማ ይዛተ ኣሎ።

እቲ ዘተ “ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንኹመዳይ ኣተኣኻኽባ እቶት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ እቶት ኣይተ ዘመዴ ተፈራ፥ ካብ እቶት ወፃኢ ሰላም፣ ልምዓትን ድሕንነትን ሃገር ክሕሰብ ኣይኽእልን ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ጥንኩር መንግስቲ ምፍጣር ዝከኣል፣ ደሕንነት ሃገር ንምሕላው ከምኡ እውን ካብ ወፃኢ ሓይሊታት ሓገዝ ንምንጋፍ ኢኮኖሚ ካብ ዝፍልፍል ኣታዊ ግብሪ ምእካብ እንትከኣል ኢዩ ኢሎም።

መካየዲ ስራሕ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት እቶት ጅማ ኣይተ ደሜ ከበደ፥ ኣብ ሞንጎ ቤት ዕዮታት መንግስቲን ትካላት ኣከብቲ እቶትን ጥንኩር ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ስለዘየለ ኣብ ኣተኣኻኽባ ታክስ ክፍተት ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ስወራን ምጭብርባርን ታክስ እናብፀሖ ዝርከብ ጉድኣትን ኣጠቓቕማ ደረሰኝን ትኹረት ዝገበሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ እናተገበረሎም ይርከብ።

ብኣልማዝ መኮንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.