Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 700 ሺሕ ዶላር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ንህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል700 ሺሕን 506 ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ምግባሩ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ፥ ግድብ ህዳሰ ህንፀት ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 42 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ምግባሩ እውን ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊት፥ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪበን።

ምስ ህንፀት እቲ ግድብ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተወሰኑ እዋናት ምዝሕሓላት ተራኢዮም ከምዘነበሩ ዝገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፥ ድሕሪ ለውጢ ግና ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ ኢለን።

ህንፀት እቲ ግድብ ዝነበሩዎ ፀገማት ተወጊዶም ብዝሐሸ ኩነታት እናተሰርሐ ስለዝኾነን ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ምስላጡ ምንቕቓሕ ከምዝተፈጠረን ኣብሪሀን።

ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝተረኸበ ዓወት ዝበለፀ ምልዕዓል ክህሉ ከምዝገበረ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.