Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ኣክሲዮን ትካል ልቓሕን ዕቛርን ደደቢትን ተከዘ ስራሕቲ ኳዕቲ ዓሚቕ ማይ ኢንተርፕራይዝን ንምክልካል ቫይረስ ኮረና ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ትካል ልቓሕን ዕቛርን ደደቢትን ብር 10 ሚልዮን፤ ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ኳዕቲ ዓሚቕ ማይ ተከዘ ድማ ብር ሓሙሽተ ሚልዮን ንምክልካል ሕማም ቫይረስ ኮረና ዝውዕል ሓገዝ ገይሮም።

ስራሕ መካየዲ ትካል ልቓሕን ዕቛርን ደደቢት ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ዘርእዮ ዘሎ መኸተ ንዓለም ኣብነት ከምዝኾነን ትካሎም ነዙይ ንምሕጋዝ ብር 10 ሚልዮን ምውፋዩን ገሊፆም።

ትካል ልቓሕን ዕቛርን ደደቢት፥ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ንምምካት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኮይኑ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንምግባር ድልዊ እዩ እውን ኢሎም።

መካየዲ ስራሕ ኢንተርፕራይዝ ዃዕቲ ዓሚቕ ማይ ተከዘ ኣይተ ሃፍቶም ተኽሉ ብግደኦም፥ ትካሎም ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዝውዕል ብር ሓሙሽተ ሚልዮን ሓገዝ ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ እቲ ለበዳ ሕማም ከም ተጋሩ ብገንዘብን ጉልበትን ተሓጋጊዝና ክንምክቶ ይግባእ ኢሎም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ትኩስ መረጃዎችን በፍጥነት ለማግኘት የቴሌግራም ገፃችንን ሰብስክራይብ ያድርጉ!
https://t.me/fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.