Fana: At a Speed of Life!

ማራቶን ሞተርስ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ምግጥጣም ክጀምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማራቶን ሞተርስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ምግጥጣም ክጀምር ኢዩ።

እቲ ኩባኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እተን ዝገጣጠማ ተሽከርከርቲ ፍሪያታት ሃዩንዳይ ኢየን።

እቲ ምግጥጣም ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ንዋታት ካብ ወፃኢ ዓዲ ምእታው ከምዝተጀመረ ድማ ተገሊፁ።

እተን ተሽከርከርቲ ብቐሊሉ ኣብ መንበሪ ገዛ ብዘሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክምልኣ ዝኽእላን ዘይትን ቅብኣትን ክጥቀማ ዘይኽእላን ከምዝኾና እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እተን ፍሪያታት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምድሓን ዝህልወን ተራ ከምዘለዎ ኮይኑ፥ ብተመጣጣኒ ዋጋ ንዕዳጋ ዝቐርባ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.