Fana: At a Speed of Life!

ማዕረ ተሳታፋይነትን ተረባሕነትን ጉዱኣት ኣካል ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ዝተኻተተሉ ሕጊ እናተዳለወ ከምዝኾነ ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማዕረ ተሳታፋይነትን ተረባሕነትን ጉዱኣት ኣካል ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ዝተኻተተሉ ሕጊ እናተዳለወ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ገሊፀን።

መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል “ድሕሪ ኮቪድ-19 ንጉዱኣት ኣካል ኣካታቲ፣ ምቹው፣ ዘላቒን ዝሐሸን ዓለም ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 28 ግዘ ብብርኪ ዓልም ድማ ነመበል 29 ግዘ ሎሚ መዓልቲ ምኽባር ተጀሚሩ።

ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርርጌ ተስፋየ፥ ኣብቲ መሪሕ ቃል ዝተኻተቱ ጉዱኣት ኣካላት ዘካተተ፣ ምዕሩይ መደላድል ዝፈጥርን ብዘላቒነት ተረባሕቲ ዝገብርን ስርዓት ምዝርጋሕ፤ ብጭቡጥ ክነርኢ ይግባእ ኢለን።

እቲ ሚኒስተር ቤት ዕዮ፥ ረብሓታት ጉዱኣት ኣካል ንኽኽበሩ ኩለመዳይ ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ብሄራዊ ፖሊሲ ማሕበራዊ ሓለዋ፣ ኣዋጅ መሰል ምውፋር ስራሕ ጉዱኣት ኣካልን ዓለም ለኸ ኮንቬክሽን መሰላት ጉዱኣት ኣካል፣ ብሄራዊ ስትራቴጂ ተሃድሶ ኣካላዊ መርሃ ግብሪ ጉዱኣት ኣካል፣ ንጉዱኣት ኣካል ካብ ቀረፅ ናፃ ተሸከርካሪ ዘኣትወሉ መምርሒ ምውፅኡ ከም መርአዪ ኣቕሪበን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ሞንጎ ጥሰት መሰል ጉዱኣት ኣካልን ማዕረ ዕድል ተሳታፋይነትን ተረባሕነትን ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ዝተጠቓለለ ሕጊ ጉዱኣት ኣካል እናተሰናድአ ከምዝርከብ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ወይዘሮ ምሕረት ንጉሴ ብግደአን፥ ጉዱእ ኣካል ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ካብ ጥንሲ ክሳብ ሕልፈት ህይወት ምስ ደቂ ሰባት ሓቢሩ ዝነብር ስለዝኾነ ንጉዱኣት ኣካል መበገሲ ዝኾኑ ዝኾኑ ፀገማት ንምንካይ በልክዕ እቲ ፀገም ምሕሳብ ብሓባር ምስራሕን ይግባእ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.