Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንማሕበር ገባሪ ሰናይ ሙዳይን ማእኸል ትኹት ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ሓገዝ ገንዘብን ኣቑሑትን ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንማሕበር ገባሪ ሰናይ ሙዳይን ማእኸል ትኹት ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ሓገዝ ገንዘብን ኣቑሑትን ገይሩ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ንማሕበር ትኹረት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብር 200 ሺሕ ዝግመት ብዓይነት ገንዘባዊ ሓገዝን ዝገበረ እንትኸውን፥ ንማሕበር ገባሪ ሰናይ ሙዳይ ድማ ብር 578 ሺሕ ገንዘባዊ ሓገዝን ሓገዝ ዓይነትን ተገይሩ ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካምፓኒ ሴንቸሪ ግሩፕ ንኽልቲኦም ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ንሕድሕዶም ብር 1 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ንክልቲኦም ማእኸላት መህነፂ ትካል ዝኸውንን በቲ ምምሕዳር ዝተወሰነሎምን ፈቓድ መሬት ዕላዊ ገይረን።

እተን ምክትል ከንቲባ፥ “ልዕሊ ባዕልኻ ንኻልኦት ምንባር ብተግባር ንዘርአዩና እዞም ማሕበራት ገበርቲ ሰናይ ሓቀኛ ናይ ምሃብ ፍቕሪ ስለዝገበሩ ምስጋና ይግበኦም” ኢሎም።

እተን ምክትል ከንቲባ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ፍሉይ ሓገዝ ዘድሊዮም ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝረኽቡሉ መገዲ ከምዝስራሕ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.