Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ልዕሊ ብር 18 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝገበሮ ሓገዝ፥ 2 ሺሕ ኩንታል ጣፍ፣ 2 ሺሕ ኩንታል ስርናይን 2 ሺሕ ኩንታል ምሸላ ባሕሪን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዚ ብገንዘብ እንትሕሰብ 18 ሚሊየን 340 ሺሕን እንትኸውን፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዲስ ኣበባ ንላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅና ትግራይ ዶክተር ኣብራሃም በላይ ኣረኪበን፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ እቲ ሓገዝ ቀዳማይ ዙር ከምዝኾነን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኢዩ፡፡

ዶክተር ኣብርሃም በላይ ብግደኦም፥ ንዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ብግቡእ ንዘተጎድኡ ወገናት ከምዝበፅሕ ገሊፆም፡፡

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.