Fana: At a Speed of Life!

ምዕራባዉያን፤ ቻይናን ሩስያን ዝገብርኦ ፅዕንቶ ደዉ ከብላ ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሜር ፑቲን ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሜር ፑቲን ዕብየት ቻይናን ሩስያን ብናይ ምዕራባዉያን ፅዕንቶ ፖለቲካ ከምዘይታዓናቐፍ ኣፍሊጦም፡፡

ፕሬዚዳንት ቭላድሜር ፑቲን÷ ቻይናን ሩስን ኣብ ምርምር ህዋ፤  ሕክምና ሳይንስን ዓዉዲ ምክልኻልን ዝላዓለ ምትሕብባር ንግዲ ከምዘጣየሻ ሓቢሮም፡፡

ኣብዚ ሓዚ እዋን ቻይና ናይ ኢኮኖሚ ዓለም መሪሕነታ ካብ  ኣሜሪካ ከምዝተረከበት፤ ናይ ምዕዳግ ዓቕማ እናወሰኽ ከምዝመፀን ዝኾነይኹን ሓይሊ ካብ ቅልጡፍ ዕቤታ ክዓግታ ከምዘይኽእልን ተዛሪቦም፡፡

ሩስያ ምስ ምዕራባዉያን ኣብ ለዉጢ ንብረት ኣየር ኣመልኪታ ዝፈረመቶ ስምምዕነት ምህርቲ ነዳዲ እናኽበረት ኣብ ዘለትሉ እዋን ወፃኢ ንግዳ ነዳዲ ብ10 ሚኢታዊ ወሲኻ ብዝብል መሰረተ ኣልቦ ክሲ ደዉ ከብላ እቶም ፕሬዚዳንት ሓቲቶም፡፡

ምዕራባዉያን ከም ኣቖፃፅራ ኣዉሮፕያዉያን 2022 ኣብ ቻይና ቤጂንግ ዝካየድ ኦሎምፒክ ሓጋይ ፖለቲካዊ ምስሊ ካብ ምልባስ ንኽቑጠቡ ዝሓተቱ ፑቲን÷ ቻይና ቑፅሪ ሓደ ማሓዛና ክብሉ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ክሬምሊን ማኔዝ ኣዳራሽ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ኮንፈረንሶም፤ 507 ጋዜጠኛታ ዑድማት ከምዝኾኑ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.