Fana: At a Speed of Life!

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ፅዕንቶ ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ፕሪቶሪያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ፅዕንቶ ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ተረኺቦም ተቓውሞኦም እናስምዑ እንትኾኑ፥ ነቲ ኤምባሲ እውን ደብዳቤ ኣእቲዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝርከብ ቤት ዕዮ ሕብረት ኣውሮፓ ተቓውሞ ከምዘስምዑን ደብዳቤ ከምዘእትዉን ተገሊፁ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ትሽዓቲአን ግዝኣታት ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ የሚኖሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፣ ደቡብ ኣፍሪካውያን ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ሃገራት ፓን ኣፍሪካኒዝም ዘበረታትዑ ኣካላት እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ፡፡

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝደልዩዎ ዘበናዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣተሓሳስባ ዝቃወሙ መልእኽቲ ተመሓላሊፎም።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣፍሪካውያን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ከምዝብሉ ዘርኢዩሉ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ማሕበር ሕቡራት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ፎረም ዳያስፖራ ኣፍሪካን ዘሰናድኡዎ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝኾነ እውነ ተሓቢሩ።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.