Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ ወሃብቲ ግልጋሎት ምግባረ ሰናይ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ግልጋሎት ምግባረ ሰናይ ዝህቡ ገበርቲ ሰናይ ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲን ቴክኒክን ሞያን ምምዝጋብ ምጅማሩ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ግልጋሎት ምግባረ ሰናይ ዝሳተፉ ውልቀ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 35 ዝኾኑ ተመረቕቲ ተምሃሮ እንትኾኑ፥ ድሌት ዘለዎም ግዱሳት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ወረድኦም ናብ ዝርከባ ትካላት ፀፅታ ብምኻድ ምምዝጋብ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ፥ ኣብ ድረ-ገፅ ሚኒስቴር ሰላም ብምእታው ብቐጥታ ክምዝገቡ ከምዝኸእሉ እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ስትራቴጂክ ምሕዝነትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ወይዘሮ ኣስማ ረዲ፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ መጀመርታ ዙር ምዝገባ ብብርኪ ብሄራዊ ግልጋሎት ምግባረ ሰናይ 10 ሺሕ ገበርቲ ሰናይ ተምሃሮ ከምዝቕበል ገሊፀን።

እቶም ወሃብቲ ግልጋሎት ምግባረ ሰናይ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ባህሊ ሓቢርካ ምንባር፣ ምርድዳእ(ኮሚዩኒኬሽን)፣ ህንፀት ዓቕሚን ኣካል ጥንካረን ዘድሃበ ስልጠና ምስተውሃቦም፥ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ከይዶም ሕብረተሰብ ንምግልጋል ከምዝዋፈሩ ኣብሀን።

እቲ ኣገልግሎት ካብ ምፍላጥ ሃገርን ምግልጋል ህዚቢን ሓሊፉ ፅቡቕ ልምዲ ስራሕን ዕድል ስራሕን ዝረኽቡሉ ኩነታት ከምዘመቻቹ እተን ዳይሬክተር ገሊፀን።

ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ድማ ሚኒስቴር ሰላም ምስ ዝምለከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተቐራሪቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጠን።

እቶም ተመረቕቲ ተምሃሮ፥ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ህንፀት ኣባይቲን ካልኦት መሰል ስራሕቲን ሓዊሱ ሕብረተሰብ ኣብዝደልዮም ግልጋሎታት ከምዝዋፈሩ ገሊፀን።

እቶም ገበርቲ ሰናይ ውልቀ ሰባት ስራሕ ዘይብሎም ስለዝኾኑ፥ ናይ ምግቢ፣ መንበሪን ካልኦት መሰረታ ወፃኢታት ብመንግስቲ ከምዝሽፈንን ግልጋሎት ጥዕናን ትራንስፖርትን እውን ትካላት መንግስቲ ብናፃ ንኽህቡዎም ከምዝግበርን ሓቢረን።

ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ግልጋሎት ምግባረ ሰናይ ንዝህቡ መናእሰይ ዝኸውን 900 ሚሊየን በጀት ከምዝምደብ እውን እተን ዳይሬክተር ኣገንዚበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.