Fana: At a Speed of Life!

ምጥቋም ሕፁያት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምይይጥ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጥቋ ሕፁያት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምይይጥ ተጀሚሩ።

እቲ ምጥቋም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 6 ጥሪ 2014 ዓ.ም ክፀንሕ ኢዩ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ንኢትዮጵያ ኣብ ጥንኩር መሰረት ንምንቕማጥ ቁልፊ ግደ ዘለዎ ሃገራዊ ምይይጥ ውፅኢታዊ ንምግባር 11 ኮሚሽነራት ከምዝሙ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያውያን እቲ ሃገራዊ ምይይጥ ዕዉት ንምግባር ብንቕሓት ክሳተፉ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ሓፈሻዊ ከይዲ መረፃ ኮሚሽነራት ኣብ ሓደ ወርሒን 14 መዓልቲታትን ከምዝዛዘም ኣብሪሆም።

እቲ ከይዲ ዕዉት ንምግባር ኣብቲ ኣዋጅ ስልጣን ካብ ዝተውሃቦም ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽ ብተወሳኺ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከምኡ እውን ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖትን ተወከልቲ ጥምረት ሲቪክ ማሕበራትን ብኣባልነት ዝተኻተቱሉ ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ተዛሪቦም።

እቲ ምይይጥ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ዘኽእሉ ውልቀ ሰባት ንኽጥቆሙ ዝሓተቱ ኣይተ ታገሰ፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምጥቋም ከምዝከኣል ተዛሪቦም።

ቅጥዒ መጠቆሚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ባይቶ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።

ኣፈወርቅ እያዩን የሸዋ ማስረሻን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.