Fana: At a Speed of Life!

ሪል እስቴት ሆላ ሃውሲንግ ሶሉሽንስ ካብ 8 ሚሊየን ብር ብዘይበለፀ ዋጋ ዘበናዊ ኣባይቲ ምህናፅ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆላ ሃውሲንግ ሶሉሽንስ ዝተብሃለ ኩባንያ ሪል እስቴት ካብ 8 ሚሊየን ብር ብዘይበለፀ ዋጋ ዘበናዊ ኣባይቲ ምህናፅ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ቦርድ ኣቦ መንበር እቲ ኩባኒያ ኣይተ ነብዩ ዳንኤል÷ እቲ ኩባንያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሜክሲኮ፣ ጎተራ፣ ባልደራስ፣ ቡልቡላ፣ ሃያሁለትን ካልኦትን ሳይታት ስራሕቲ ህንፀት ከምዘሳልጥ ኣብሪሆም።

ዓለም ለኸ ደረጃ ፅሬቶም ዝሓለዉ ኣባይቲ ብቕልጡፍ ከምዝሃንፅ እውን ኣፍሊጦም፡፡

ማርኬቲንግ ማናጀር እቲ ትካል ኣይተ ዳግማዊ ጌታቸው ብግደኦም÷ ሆላ ሃውሲንግ ሶሉሽን ትሕቲ 8 ሚሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ እቶም ኣባይቲ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ዘይመልአ ግዘ ብምህናፅ ንዓማዊሉ ከምዘመሓላልፍ ገሊፆም፡፡

ዓማዊል ወነንቶ እቲ ኩባኒያ ክኾኑ ወይ እውን ገዛ ጥራሕ ከገዝኡ ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም፡፡

ሆላ ሀውሲንግ ሶሉሽን ብፍላይ ምስ ፋይናንስ ተተሓሒዙ ምስ ባንኪ ግሎባል ስምምዕነት ዝተፈራረመ እንትኸውን÷ ሽፋን መድን ድማ ምስ ሉሲ ኢንሹራንስ ከምዝተፈራረመ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ስምምዕነት ምስ ዓማዊል ሆላ ሪል እስቴት ተተሓሒዙ ባንኪ ግሎባል ክሳብ 25 ዓመት ዝበፅሕ ናይ ነዊሕ ግዘ ኣድላዪ ልቓሕ ፋይናንስ ከምዘቕርብ ተሓቢሩ፡፡

በዚ ድማ ዓማዊል ብቅመ ክፍሊት 1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ከምኡ እውን ኣብ እዋን መጀመሪ ህንፀት 1 ነጥቢ 18 ሚሊየን ብር ክኸፍሉ ትፅቢት ዝግበረሎም እንትኸውን÷ ዝተረፈ ድማ ካብ 15 ክሳብ 25 ዓመታት ኣብ ዝፀንሕ ብትሑት ወለድ ልቓሕ ባንኪ ኣቢሎም ወነንቲ ገዛ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.