Fana: At a Speed of Life!

ሮቤርቶ ማርቲኔዝ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቹጋል ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቤልጂየም ሮቤርቶ ማርቲኔዝ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቹጋል ኮይኖም፡፡

ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ሮቤርቶ ማርቲኔዝ÷ ድሕሪ ፅዋዕ ዓለም ዝተሰናበቱ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቹጋል ፈርናንዶ ሳንቶስ ብምትካእ ኢዮም ሎሚ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኮይኖም ዘለዉ፡፡

ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ፖርቹጋል ፈርናንዶ ጎሜዝ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ÷ ኣሰልጣኒ ሮቤርቶ ማርቲኔዝ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝቐረበሎም ሕቶ ከምዝተቐቡ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት÷ ሮበርት ማርቲኔዝ ኣብ 2024 ዝካየድ ፅዋዕ ኣውሮፓን፤ ከምኡ እውን ብኣሰናዳእነት ኣሜሪካ፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዝካየድ ፅዋዕ ዓለም 2026 ንፖርቹጋል ክመርሑ ኢዮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.