Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት “ብዘላቒ ዓወት ናብ ምዕባለን ድህረ ኲናት ምዝባዓትን መእረምተኦምን” ብዝብል ርእሲ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

እቲ መድረኽ ዘተ ዝመርሑ ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓን ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ሃቂኑ ዝኸፈቶ ኲናት ብዝተሓባበረን ዝተዋደደን ቃልሲ ኢትዮጵያውያን ዓወት ክሕፈስ ተኻኢሉ ኢዩ።

“በቲ ኲናት ህዝብና ካብ ጫፍ ጫፍ ንኢትዮጵያ ኣየድፍርን ኢሉ ብምልዓሉ እኩይ ዕላማ ፀላኢ ቅስሙ ካብ ምስባሩ ንላዕሊ ኢትዮጵያውያን ተዋዲዶም ናይ ምስራሕ ዓቕምና ዘርአናሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ውሑዳት መዓልቲታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ኢና ብዝብል ተስፋ ምቑራፅ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ ናብ ኲናት ከምዘእተዉ ኢዮም ዝገለፁ፡፡

እቲ ኲናት ባናይ ወፃኢ ጋለብቱ ዝድገፍን ንኢትዮጵያ ከፍርስ ኢየ ኢሉ ዝተልዓለ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምውቃዕ ጥንኩር ሓድነት ህዝቢ ዝተረኸበሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህወሓት ራዕዳዊ መጥቃዕቲን መሰል ፀገማትን ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ስግኣት ሃገር ኣብ ዘይኾነሉ ብርኪ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም፡፡

ብኃሊእ መዳይ ፈረስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾነ ሸኔ ኣብ ክልልለ ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህይወት ንፁሃንን ንብረትን ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ጠጠው ንምባል ዝተዋደደ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“መንግስቲ መጥቃዕቲ እቶም ግብረ ራዕዳውያንብዘላቕነት ንምውጋድ፥ ምስ ኩሎም ኣካላት ፀፅታን ሕብረተሰብን ብምትሕብባር ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም ኣይተ ንጉሱ፡፡

ተዓዋታይነት ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ኣብ ምዝዛም ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብዝስርሑ ስራሕቲ ኩሎም መራኸብቲ ሓፋሽ ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.