Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ስራሕ ሕፅረት ነዳዲ ንክፍጠር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ዘለዉ መዐደሊታት ነዳዲ ስጉምቲ ምውሳድ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ሰብ ስራሕ ሕፅረት ነዳዲ ንክፍጠር ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ዘለዉ መዐደሊታት ነዳዲ ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚሩ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ በዓል መዚ በቀለች ኩማ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 16 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ዕድጊት ነዳዲ ብኤሌክትሮኒክስ ጥራሕ ንክፍፀም ተገይሩ ኢዩ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ኣብ መጀመሪያ ከባቢ ብወገን ኣሽከርከርቲ ኣካውንት ዘይምኽፋት ፀገም ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ውሱናት መዐደሊታት ነዳዲ ሕፅረት ነዳዲ ንከጋጥም ብምሕሳብ ኮነ ኢሎም ነዳዲ ብምሕባእን ብሙሉእ ዓቕሚ ኣገልግሎት ብዘይምሃብን ዓማዊል ናይ ምጉልእላእ ስራሕ ይፍፅሙ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ኣብ ዝሓለፉ ዘይግቡእ ተግባር ይፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መዐደሊታት ነዳዲ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ተዛሪበን።

ኣብ ቀፃሊ ሕጊን ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ዘየኽብሩ ኣካላት ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.