Fana: At a Speed of Life!

ሲቪክ ማሕበራት መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘም ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ከምዝግበኦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሲቪክ ማሕበራት መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ንኽዛዘም ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ከምዝግባእ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ሲዳማ ኣይተ ማቶ ማሩ ገሊፆም።

ድሕሪ ለውጢ ካብ ሞንጎ ዝተሰርሑ ብዙሓት ስራሕቲ ሓደ ግደ ሲቪክ ማሕበራት ክብ ንኽብል ንምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ግደ እተን ማሕበራት ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ኣሰርቲ ሕግታት ምፍታሕን ትካላት ንምህናፅ ዝተሰርሑ ተግባራት ብዘሐሸ መልክዑ ክግለፅ ዝኽል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሲቪክ ማሕበራት ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ሃገርን ዝህልዎ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ እዋን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ እዋናት ብዘሐሸ መልክዑ ምዕሩይ ኩነታት ምህላዉ ኣብሪሆም።

ኣብ እዋን መረፃ እውን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ከምዝግባእ እውን እቶም ኣቐባሊ ቓል ሓቲቶም።

ብብርሃኑ በጋሻው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.