Fana: At a Speed of Life!

ስሑል ሽረ ኣብ ልዕሊ ፋሲል ከነማ 2 ንባዶ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሽረን ፋሲል ከነማን ፀወተአን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ኣካይደን።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ስሑል ሽረ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ፋሲል ከነማ 2 ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ ኣላ።

እተን ሸቶታት ሳሊፍ ፎፋና ኣብ መበል 86 ደቒቓ፣ ኣብዱልለጢፍ መሓመድ ድማ ኣብ 90 ደቒቓ ዘቖፀሩወን ኢየን።

ብመሰረት እዚ ስሑል ሽረ ክሳብ ሐዚ ብዘዋህለለቶ 15 ነጥብታት ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።

ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፥ መቐለ 70 እንደርታ ብ16 ነጥብታት ቀዳመይቲ ብምዃን ትመርሖ ከምዘላ ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.