Fana: At a Speed of Life!

ስዑድ ዓረብ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘይነበሮም ኢትዮጵያውያን ዝሕተቱዎ ዝነበሩ ውዝፍ ቅፅዓት ክፍሊት ኣልዒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነበሩ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ እንተየሐደሱ ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ሃገሮም እንትምለሱ ብቑፅሪ ሕድሕድ ስድራ ቤት ዝሕተቱዎ ዝነበሩ መውፅኢ ቪዛን ውዝፍ ቅፅዓት ክፍሊትን ንምልዓል ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘየሐደሱ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣብ ኩሎም ዜጋታት ካኦት ሃገራት እናተተግበረ ዝርከብን ነብሲ ወከፍ ሰብ ክፍሊት መውፅኢ ቪዛ 400 ሪያል ስዑድ ዓረብ ክኸፍል ዝገድድን ሕጊ እንትኸውን፥ እቲ ክፍሊት ብምብዝሑ ብዙሓት ዜጋታት ነቲ ዕድል እንተይተቐሙሉ ፀኒሖም ኢዮም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ እቲ ክፍሊት ንኽቕነስ ወይ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽለዓል ብዝሓተቶን ምስ መንግስቲ ኣካላት እታ ሃገር ብዝገበሮ ዘተን እቲ ውዝፍ ክፍሊት ሙሉእ ብሙሉእ ንምልዓል ኣብ ስምምዓነት ምብፅሑ ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት፥ ብዋናነት ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡን ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ እንተየሐደሱ ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ብንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ስዑድ ዓረብ ብዝተገበረ ምሕረትን መምርሒን ብፍሉይ ዝተፈቐደ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት ንዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ተግባራዊ ከምዝኸውን እውን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ሓፂር ግዘ ዕድል ንንኹሎም ዜጋታት ንምብፃሕ ድማ ካብ ኤምባሲ ፌዴሪኢ ኣብ ሪያድን ቆንስላ ቤት ፅሕፈት ጅዳን ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት መዲና፣ ኦብሃ፣ ጂዛን፣ ጣኢፍ እውን ተወሰኽቲ ጣቢያታት መውሀቢ ኣገልግሎት ተኸፊቶም ስራሕ ንምጅማር ምስ ዝምልከቶም ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብምትሕብባር ቅድመ ምደድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን እቲ ዝተውሃበ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራሕ ዕድል ብኣግባቡ ንኽጥቀሙሉ እቲ ኤምባሲ ፀዊዑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.