Fana: At a Speed of Life!

ቀነኒሳን ኪፕቾጌን ኣብ ለንደን ማራቶን ዝገብሩዎ ንሕንሕ ዓለም ብሃንቀውታ ይፅበዮ ኣሎ

አዲሰ አበባ፣ 08 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ኬንያዊ ኣትሌት ኤልዩድ ኪፕቾጌ ኣብዚ ዓመት ዝገብሩዎ ንሕንሕ ለንደን ማራቶን ዓቢዪ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ኣትሌት ቀነኒሳ ናይ ማንም እዋን ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ማራቶን ዓለም ዘመዝገበ እንትኸውን፥ ኪፕቾጌ ድማ በዓል ቤት ክብረ ወሰን ማራቶን ዓለም ኢዩ።

ወዲ 37 ዓመት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ዝተዓወተሉ እዋን፥ ብኪፕቾጌ ተታሒዙ ዝርከብ ክብረ ወሰን ማራቶን ዓለም ንምስባር 2 ሰከንድታት ጥራሕ ቀርየንኦ ከምዝነበራ ይዝከር።

ኣትሌት ቀነኒሳ፥“ቅድሚ ሕዚ ምስ ኤልዩድ ኪፕቾጌ ብዙሓት ውድድራት ገይርና ኢና፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ክንወዳደር ኢና ኢለ የሓስብ” ክብል ዘለዎ ትፅቢት ንቢቢሲ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ማራቶን ለንደን ሁፍ ብሬሸር፥ ዓለም ቅድድም ሓያላት ኣትሌታት ንምርኣይ ብሃንቀውታ ትፅበ ኣላ ኢሎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ሚያዝያ 2020 ዝካየድ ውድድር ለንደን ማራቶን፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሞስነት ገረመውን ሙሌ ዋሲሁንን እውን ተሳተፍቲ ክኾኑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ወዲ 35 ዓመት ኤልዩድ ኪፕቾጌ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቬና ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን፥ ትሕቲ ክልተ ሰዓት ናይ ምእታው ታሪኻዊ ጉያ ፈተነ ክብረ ወሰን ክወስድ ምኽኣሉ ይፍለጥ።

ኣብቲ ውድድር ነቲ ቅድድም ጉያ ማራቶን 1 ሰዓት 59 ደቒቓን 40 ሰከንድን ብምዝዛም ታሪኽ ክሰርሕ ክኢሉ ኢዩ።

ኪፕቾጌ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2013 ንደሓር 12 ውድድራት ማራቶን ኣካይዱ ኣብቶም 11 ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.