Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ክሕለወሎም ተማሕፂኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ምስ ብልሽውና ተኣሳሲሩ ኣብ ዝቐረበሎም ክሲ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ክሕለወሎም ሓቲቶም።

እቲ ውሳነ ኣብ መፃኢ ወርሒ መጋቢት መረፃ ክሳብ ዝካየድ ዕረፍቲ ክህቦም እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ላዕለዋይ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር፥ ብጉቦ፣ ምትላልን ምጉዳል እምነትን ብዘብሉ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ ልዕሊ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ክሲ መስሪቱ እዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ብምፃግን ዘጉደልዎ ነገር ከምዘየለ ብምዝራብን እዮም ናብ ባይቶ እታ ሃገር ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ሕቶ ዘቐረቡ።

እቲ ሕቶ ዝቕረበ ናይ ምሕታት ገደብ ግዘ ንክሓልፍ ሰዓታት እንትተርፍዎ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

ሕቶ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተቐባልነት ንኽረክብ፥ ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ክድግፍዎ ትፅቢት ይግበር።

ኔታንያሁ ኣብ ዘረብዎ፥ “እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ሕቶ ሕጊ ዝተኸተለ እዩ። እቲ ዕላማ ድማ ናዕኹም ንምግልጋልን ንመፃኢ እስራኤል ብምግዳስን እዩ” ኢሎም።

ንነዊሕ እዋን ንእስራኤል ዝመርሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁ፥ ካብ ሰብ ሃብቲ ጉቦ ከምዝተቐበሉን ብሚድያ ፍሉይ አወንታዊ ምስሊ ንፍጣር ዘይግቡእ ቃል ኣትዮም ብዝብልን እዮም ዝኽሰሱ።

ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ መፃኢ ወርሒ መጋቢት ንሳልሳይ ግዘ ናብ መረፃ ሕፁይ ተወዳዳሪ ኮይኖም ክቐርቡ ኢዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.