Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሽመት ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሽመት ሂቦም።

ብመሰረት እዚ፦

1. ኣይተ መስፍን መላኩ ብመዓርግ ሚኒስትር ዲኤታ ሓላፊ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

2. ዶክተር ሹመቴ ግዛው ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን

3. ኣይተ ከፍያለው ተፈራ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን

4. ኣይተ ወርቁ ጋቻና ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ልምዓትን ምርምርን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ

5. ኣይተ ዘላለም መንግስቴ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኮይኖም ተሸይሞም።

እቲ ሽመት ካብ ሎሚ ዕለት 28 ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.