Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር ንዝተዋፈሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር ንዝተዋፈሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘቐመጡዎ ፅሑፍ፥ “ምስሊ ከተማና ዝለዓለ ለውጢ ንኸርኢ ንዝገበሩን ገንዘቦም፣ ገዘኦምን ጉልበቶምን እንተይዓቖሩ ንዘፍሰሱ ውሑዳት ደፋራት ሰባት ዘይምምስጋን ኣይከኣልን” ኢሎም።

ኣወንታዊ ውፅኢት ኣብ ፍፃመ ንኽበፅሕ ውሑዳት ቆራፃት ከምዝሓትት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝተደለየ ውፅኢት ከምዝርከብ መተአማመኒ እንተይሓዙ ብእምነት ዝጓዓዙ ውሑዳት ደፋራት ከምዘድሊ እውን ኣብሪሆም።

መሰል ስራሕቲ ኣብ ክልላት ከምዝቕፅል ዝሓበሩ ዶክተር ኣቢይ፥ ካልኦት እውን ናብዚ ናይ ውሑዳት ደፋራት ጉጅለ ንኽፅምበሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.