Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ክልቲኦም መራሕቲ እቲ ቫይረስ ከስዕቦ ንዝኸእል ፅዕንቶ ግቡእ ምላሽ ንመሃብ ዘኽእል ናይ ሓባር ኣመራርሓ ንመሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብዝምልከት ኢዮም ብስልኪ ተዛቲዮም።

ብተወሳኺ ኣፍሪካ ድሕሪ እቲ ለበዳ ሕማም ከጋጥማ ንዝኸእል ኢኮኖሚያዊ ማሕለኻ ንምፅዋር ናይ ሓባር ፃዕሪ ከምዘድሊ ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.