Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓባራዊ መንግስቲ ምጥያሹ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተነሓናሕቲ ሓይሊታት ደቡብ ሱዳን ሓባራዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ብምብቀዖም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን መራሒ ጉጅለ ዓመፅቲ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ሪክ ማቻርን ብሄራዊ ሓበራዊ መንግስቲ ኣጣይሾም ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ዝተጣየሸ ሓዱሽ ሓበራዊ መንግስቲ፥ ሳልቫ ኪር ናይቲ ስግግር መንግስቲ ፕሬዚዳንት፤ ሪክ ማቻር ድማ ምክትል ፕሬዚዳንት ክኾኑ ክኢሎም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ደቡብ ሱዳናውያን ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ ብምብቀዖም መልእኽቲ መግለፂ ሓጎስ ኣመሓላሊፎም።

ውፅኢቱ እቲ ድርድር እናመርሐ ንዝነበረ ኢጋድ ልዑል ሓጎስ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ከም ቀደማ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ይኹን ነቲ ስግግር መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምትገብር እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.