Fana: At a Speed of Life!

ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት እናዛየደ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ቁፅሮም ወሲኹ ኣሎ-ዶ/ር ሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት እናዛየደ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ቁፅሮም ምውስኹ ኣተሓሳሳቢ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ምኻዱ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ፥ ምውሳኽ ቁፅሪ ዝተለኸፉ ሰባት እቶም ዝረኣዩ ዘለው ጥራሕ ከምዘይኾኑን ናብ ምርመራ ዘይቀረቡ ብዙሓት ተለከፍቲ በቲ ቫይረስ ከምዝህልው ስግኣተን ገሊፀን።

እቲ ሚኒስቴር  በቢ እዋኑ ናይ ምምርማር ዓቕሙ ዋላኳ ይወስኽ እምበር ብመጠን በዝሒ ህዝቢ እዛ ሃገር እኹል ከምዘይኮነ እውን ኣብሪሀን።

ንምክልኻል እቲ ለበዳ ልዑል ወፃኢ ከምዘይሓትት ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ኩሉ ሰብ ንህይወቱን ህይወት ማሕበረሰቡን ብልዑል ትኹረት ክሕሉ ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲበን።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልባዕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዓሊሙ መንግስቲ፣ ህዝብን ኩሎም ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝሰርሕዎ ዘለው ስራሕቲ ፅቡቕ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ለበዳ ሐዚ ዘለዎ ብርኪ እንትንርኢ ቅድም ሐዚ ካብ ዝነበሮ ኣዝዩ ይውስኽን ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝኸፍአ ኩነታት ይጋደድን ኣሎ ኢለን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ቁፅሪ ሰባት ልዕሊ 10 ሽሕን 500 ምብፅሖም ድማ ከም መርኣዪ ኣቐሚጠን።

ብሰንኪ ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት እንትንርኢ ውን፥ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክሳብ 13 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑሉ ዕለት በፂሑ ምርኣይና ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ሓቢረን።

ምውሳኽ እቲ ለበዳ ብዝበለፀ ኣተሓሳሳቢ ዝገብሮ ብሓፈሻ ካብ ዝልከፉ ሰባት ቁፅሪ ንላዕሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ቁፅሮም ምውሳኽ ውን እቲ ለበዳ ማዕረ ክንደይ ከምዝተስፋሕፍሐ ዘመላኽት ምዃኑ ኣረዲአን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ምርመራ እናወሰኸ ብምኻዱ 45 መመርመሪ ላቦራቶሪታት ምብፅሖም ብምግላፅ፥ ኣብቶም ማእኸላት ዝካየድ ምርመራ ልዕሊ 7 ሽሕ ብምዃኑ ምስ ዘለና በዝሒ ህዝቢ እንትነፃፀር መጠን እቲ ምርመራ ሐዚ ውን እኹል ኣይኮነን ኢለን።

ስለዚ እንረኽቦ ቁፅሪ ምስቲ ዝመርመርናዮ ተተሓሒዙ ስለዝኾነ ካብዚ ንላዕሊ ብኮቪድ ዝተትሓዙ ሰባት ክህልው ከምዝኽእሉ ንኩላህና ግልፂ እዩ ክብላ ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.