Fana: At a Speed of Life!

በዓል መውሊድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1ሺሕን 496 በዓል ልደት የነቢዩ መሓመድ ( የመውሊድ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ስሰ-ስርዓታት ተኸቢሩ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ ዝወዓለ በዓል መውሊድ፥ ኣብ ከተማ ደሴ እውን ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ክርስትናን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብሓባር ተኸቢሩ፡፡

ኣቦ መንበር ጉዳያት እስልምና ከተማ ደሴ ሼኽ ሰይድ ዑመር ኣብቲ ምኽባር በዓል ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ እቲ በዓል ንሰራዊት ምክልኻል ድጋፍ ብምግባር፣ ንዝተመዛበሉ ወገናት መኣዲ ብምግባርን ካልኦት ሰናይ ተግባራትን ብምትግባር ከምዝተኸበረ ገሊፆም።

በዓል መውሊድ ብተመሳሳሊ፥ ኣብ ከተማ ቡሬ ንዝተመዛበሉ ወገናት መኣዲ ብምክፋል ከምዝተኸበረ ተገሊፁ።

እቲ በዓል ኣብ ታሪኻዊ መስጊድ ቶንጎላ ኣብዱሰላም፥ ህዝበ ሙስሊም እቲ ከባቢ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምስ ዝመፅኡ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብምዃን ከምዝተኸበረ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.