Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 762 ሚሊየን ብር ከምዘምለሰ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣግባብ ካብ ሞንጎ ዝተወሰዶ ገንዘብ እቲ ልዕሊ 762 ሚሊየን ብር ከምዘምለሰ ኣፍሊጡ።

ምስ ሲስተም ተተሓሒዙ 6 መጋቢት 2016 ዓ.ም ብዝተፈጠረ ፀገም ምኽንያት ብር 801 ሚሊየን 417 ሺሕን 747ብር 81 ሳንቲም ብዘይኣግባብ ተወስዲዎ ከምዝነበረ ገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 762 ሚሊየን 941 ሺሕን 341 ብር ምምላስ ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሁ፡፡

እዚ ድማ ክእከብ ካብ ዝነበሮ ገንዘብ 95 ሚኢታዊ ዝሽፍን ኢሉ እቲ ባንኪ፡፡

ዝተረፈ 5 ሚኢታዊ ወይ እውን 38 ሚሊየን 474 ሺሕን 938 ብር ተመላሲ ካብ ዘይገበሩ ውልቀ ሰባት ናይ ምምላስ ስርሑ ከምዝቕፅል እቲ ባንኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.