Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንዓማዊሉ ን3 ኣዋርሕ ዝፀንሕ እፎይታ እዋን መኽፈሊ ልቓሕ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምኽኒያት ብምግባር ንዓማዊል መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ን3 ኣዋርሕ ዝፀንሕ እፎይታ እዋን መኽፈሊ ልቓሕ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ እቲ ባንኪ ክእክቦ ዝነበረ ኣስታት ልዕሊ ቢሊየን ብር ናብ ዝቕፅል እዋን ከምዘሰጋገረ ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ፀገም መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ንምፍታሕ ዓሊሞም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ከተማታትን ዘለዉ ዓማዊሉ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልቓሕ ወሲዶም እዮም።

ይኹን እምበር እቶም ዓማዊል ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመሰረት ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ዝወሰድዎ ልቓሕ ንምኽፋል ከይፅገሙ ብዝብል ኢዩ እቲ መኽፈሊ እዋን ተናዊሑ ዘሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.