Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ንህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንህንፀት ዓቕሚን ስልጠናን ኢኒስቲትዩ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ።

እቲ ገንዝባዊ ሓገዝ ንምህናፅ ደረጅኡ ዝሓለወ ሳልሳይ ብርኪ ላቦራቶሪ ባዮሴፍቲ፣ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝህነፁ 15 ካልኣይ ብርኪ ላቦራቶሪታት ባዮሴፍቲ፣ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንዝርከባ 8 ላቦራቶሪታት ምስ ሙሉእ መሳርሒታት ንምምላእ ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ንምጥንኻር ስርዓት ምምሕዳር ምክልኻል ሓደጋ ብሄራዊ ጥዕና ሕብረተሰብ፣ ንምጥንኻር ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእታ ክልልን ከተማ ምምሕዳርን፣ ንመድሓኒት ፀረ ታህዋሲያን፣ ንምጥንኻር ማእኸላት መቆፃፀሪን ንህንፀት ዓቕሚ ሰራሕተኛታትን ከምዝውዕል ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር አሚን አማን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.