Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ዕቤት ዓውዲ ሕርሻ ንምድጋፍ 80 ሚሊየን ዶላር ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ዕቤት ዓውዲ ሕርሻ ንምድጋፍን ኣብ ንኡሽተይ መሬት ዝሓርሱ ሓረስቶት ዝሐሸ ኣማራፂ ንምፍጣርን ዘዓለመ 80 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ።

ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ዓለም ኣካል እቲ ባንኪ ዝኾነ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት ንኢትዮጵያ 80 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንኽገብር ትማሊ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ብቐንዱ መንግስቲ መፍረያይነት ዓውዲ ሕርሻ ንምምሕያሽ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንምሕጋዝን ኣብ ንኡሽተይ መሬት ስራሕቲ ሕርሻ ዘሳልጡ ሓረስቶት ኣማራፂ ዕዳጋ ንምፍጣር ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.