Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ክልል ደቡብ ሽመት 150 ዳያኑ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ክልል ደቡብ ኣብ 5ይ ዙር 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ጉባኤኡ ሽመት 150 ዳያኑ ኣፅዲቑ።

ንሰለስተ መዓልቲ ከካይድ ፀኒሑ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝዛዘሞ ጉባኤ እቲ ባይቶ፥ ካብ ሽመት ዳያኑ ብተወሳኺ ክልተ ኣዋጃት እውን መርሚሩ ኣፅዲቑ ኣዩ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል ኣይተ ሙሉጌታ ኣጎ፥ ኣብ እዋን ምልመላ ሕፁያት ዳያኑ ዕድሚኦም ካብ 25 ንላዕሊ ዝኾኑ፣ ዝሐሸ ምድላው ትምህርቲ ዘለዎምን ብብፅቡቕ ስነ-ምግባሮም ብህዝቢ ዝተመስከረሎም ክኾኑ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ፥ 24 ዳያኑ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምኡ እውን 126 ዳያኑ ንቤት ፍርዲ ወረዳ፥ ብሓፈሻ ድማ 150 ዳያኑ ብሕፁይነት ቀሪቦም ሽመቶም ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑሎም።

ኣባላት እቲ ባይቶ፥ ኣብ በቢቦትኡ ዝረአ ፀገም ሕፅረት ዳያኑ ንኽቕረፍን ተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ንኽጠናኸርን ኣተሓሳሲቦም።
ዳያኑ፥ ኣብ ምዕሳል ፍትሒን ብምሕላው ልዕልነት ሕጊን መርኣያ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ወይዘሮ ሄለን ደበበ ኣገንዚበን።

እቲ ባይቶ ብተወሳኺ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ምሕደራን መንግስቲ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ከምኡ እውን ኣወጋግዳ ኣተሓሕዛን ርስሓት ከተማ ዝብሉ ክልተ ረቂቕ ኣዋጃት ምሚሩ ኣፅዲቑ።

ዝጓደሉ ኣከብቲ ቀዋሚ ኮሚቴ እቲ ባይቶ ብምምላእ ጉባኤኡ ከምዝዛዘመ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ በሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.