Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተስብ ብር 3 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ንዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተስብ ዝውዕል ብር 3 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ።

ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ልኡኽ፤ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ዝተጎድኡ ወገናት ዝርከቡሉ ቦታ ተረኺቡ ዑደት የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ባይቶ ኣብቲ እዋን ዑደት ብር 3 ሚሊየን ሓገዝ ዝገበረ እንትኸውን፥ ኣፈ ጉባኤ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣረኪቦምዎም።

መንግስቲ ክልላት፣ ትካላት መንግስቲ ፌዴራል፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ውልቀ ሰባትን፥ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ሓገዝ እናገበሩ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.