Fana: At a Speed of Life!

ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ፋሲል ንምፅጋን ፕጀክት መፅናዕቲ ብር 400 ሚሊየን ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንፃታት ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ፋሲል ንምፅጋን ዘኽእል ፕጀክት መፅናዕቲ ብር 400 ሚሊየን ምዝዛሙ ዓለም ለኸ ምምሕዳር ሓድጊታት ጎንደር ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ እቲ ትካል ኣይተ ገታሁን ስዩም ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ መፅናዕቲ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብርኪ ብብርኪ ስራሕቲ ፅገና ንምክያድ ዘኽእል ኢዩ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ በዓል ስልጣን ሓለዋን መፅናዕቲን ሓድጊታት ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን ዝተውፃፅኡ ሰብ ሞያታት ተሳታፊ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ ፅገና ብሓገዝ መንግስቲ ፌዴራል ከምዝሽፈንን ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት እውን ሓገዝ ክግብሩ ኢዮም ኢሎም።

ተወሳኺ ኣብ ዙርያ እቲ ቤተ መንግስቲ ዝግበር ስራሕቲ ፅገና፥ ካብ በፃሕቲ ዓዲ ብዝተረኸበ ኣታዊን ካብ ክልል መንግስቲ ብዝተመደበን ብር 36 ሚሊየን ስራሕ ክምዝተጀመረ እቶም ኣመሓዳሪ ገሊፆም።

ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝተሃነፀ ህንፃ ቤተ ምንግስቲ ሃፀይ ፋሲል፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1979 ኣብ ሰብ ስራሕ ሓድጊታት ዓለም ዩኔስኮ ምምዝጋቡ ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.