Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ልዕሊ ብር 12 ሚሊየን ሓገዝ ንምግባር ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ልዕሊ ብር 12 ሚሊየን ሓገዝ ንምግባር ወሲኑ።

ካቢኔ እቲ ክልል ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንምሕጋዝ ብር 12 ሚሊየን ሓገዝ ምግባር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቡ ዘቲዩ።

ብመሰረት እዚ ብር 10 ሚሊየን ጥረ ገንዘብ ሓገዝ ምግባር ከምኡ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ዝተጎድኡ ዜጋታት ዝኸውን ልዕሊ ብር 2 ሚሊየን ዝግመት መጠን ገንዘብ ዘለዎ 70 ቦንዳ ክዳውንቲ፣ 300 ኩንታል ሕሩጭ ምግቢን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ካልኦት ንምግብነት ዘገልግሉን ሓገዝ ንኽግበር እቲ ካቢኔ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እቲ ካቢኔ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግልጋሎት ጥዕና ንምሕጋዝ ትውዕል ሓንቲ ኣንቡላንስ ተሸከርካሪትን ጉጅለ ሰብ ሞያታት ጥዕናን ናብቲ ቦታ ንምልኣኽ ወሲኑ።

ብብርኪ ክልል ሃረሪ ዝተዳለወ ሓገዝ ናብቲ ቦታ ዘብፅሕ ጉጅለ ልኡኽ፤ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብቲ ክልል ከምዘቕንዕ እውን ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ሃረሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.