Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዘዓተሮ ዓወት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዘዓተሮ ዓወት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ “ሰንደቕ ሃገርን ደጀን ህዝቢን ዝኾነ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝሓፈሶ ዓወት ዝተሰመና ሓጎስ እንትንገልፅ ብልዑል ኩርዓት ኢዩ፤ እንኳዕ ደስ በለኩም ደስ በለና” ክብል ገሊፁ፡፡

መላእ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ፥ ብሞራልን ኩለመዳይ ሓገዝን ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ብምባሉ ንዝተረኸበ ዓወት ልዑል ብፅሒት ከምዘበርከተ እቲ ቤት ምኽሪ ኣገንዚቡ።

እዚ ዓወት ዓወት መላእ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ኢዩ ዝበለ ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽን፥ እዚ ድማ ጥንኩር ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብሓባር ጠጠው ከምዝበለን ሰራዊት ምክልኻል ንሕገ- መንግስቲ ዘለዎ ተኣማንነትን ጥብቅናን ዝገልፅ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፁ።

ጅግንነት፣ ተምሳሌትን ቆራፅነትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፥ ንመፃኢት ኢትዮጵያ ዓቢዪ መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መግለፁፂ ሓጎሱ ገሊፁ።

“እዚ ዓወትን ሓጎስን እናጠዓዓምና ንህብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ሓድነትናን ዝሽርሽሩ እኩይ ተግባራት ብተመሳሳሊ መልክዑ እናተኸላኸልና፤ ሓድነትናን ክብርናን ብምጥንኻር ኣብ ኩለመዳይ ሃገራዊ ምዕባለ ክነትኩር ግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.