Fana: At a Speed of Life!

ቤጂንግ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ሙስሊማት ዩገርስ ዑደት ንክገብሩ ኣንጊዳ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤጂንግ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ሙስሊማት ዩገርስ ዑደት ንክገብሩ ኣንጊዳ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ሁዋ ቹንዪንግ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ንዑደት ናብ ሺንጂያንግ ዓዲሞም፡፡

ፖምፒዮ ብኣካል ተረኺቦም ኣባላት ማሕበረሰብ ዩገርስ ዝኾነ ይኹን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዘይተፈፀሞም ንኸረጋግፁ እዮም እቶም ኣቐባሊ ቃል ዝሓተትዎም፡፡

“ቻይና ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ዩገርስ ኢ-ሰብኣዊ ጥቕዓት ትፍፅም እያ” ብዝብል ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ክወቕሱ ምፅንሖም ይዝከር፡፡

ኣሜሪካ፤ ቻይና እትገብሮ ኩሉ ከም ስግኣት እያ ትቖፅሮ ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል፥ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ቤጂንግ ዝሓዘቶ ኢ-ምኽንያታዊ ፖሊሲኣ ደጊማ ክትርእዮ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ዓለም ኣብ ጉዳይ ሆንግ ኮንግን ዋንነት ትሕዝቶ ደቡባዊ ባሕርን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ወጥሪ ከምዝኣተዋ ፀብፃብ ሬውተርስ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.