Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ውሑጅ ዝተጎድኡ ዜጋታት ንምድጋፍ ህፁፅን ዘላቒን ተግባራት ብምፍላይ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሓደጋ ውሑጅ ዝተጎድኡ ዜጋታት ንምድጋፍ ዘኽእል ህፁፅን ዘላቒን ተግባራት ብምፍላይ ይስራሕ ምህላዉ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ብዝምልከት ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚልን ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ብሓባር መግለፂ ሂቦም።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ዝዘንብ ዘሎ ልዑል መጠን ዘለዎ ዝናብ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኣብ ዝርከቡ 23 ዞባታት ውሑጅ ምግጣሙ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ 580 ሺሕ ዜጋታት ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ፀገም ዘጋጠሞም እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ 217 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሓቢረን።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ታሕተዋይ ተፋሰስ ኣዋሽ እቲ ሓደጋ ውሑጅ ብስፍሓት ከምዘጋጠመ ገሊፀን።

ስለዝኾነ እቶም ዜጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ከይቃልዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ደመቀ መኮነንን ብቕርበት ይከታተልዎ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ውሑጅ ለበዳን ካልኦት ፀገማት ጥዕናን ንከየጋጥም ዓሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢረን።

ክልተ ሄሊኮፕተራትን ጀልባታትን ብምጥቃም በቲ ውሑጅ ዝተኸበቡ ዜጋታት ናይ ምውፃእ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ እውን ኢለን።

በቲ ውሑጅ ከቢድ ፀገም እኳ እንተጋጠመ ክሳብ ሐዚ ህይወት ሰብ ከምዘይጠፍአ ተዛሪበን።

ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ብግደኦም፥ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ተፋሰስ ኣዋሽ ጥራሕ 136 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር 130 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መከላኸሊ ውሑጅ ከምዝተሃነፀ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ቀፃሊ ሓጋይ ተመሳሳሊ ሓደጋ ውሑጅ ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ ሓቢሮም።

ብመንፅር እቲ ኣብ ሩባ ሎጊያ ንኡሽተይ ግድብ ንምስራሕ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ሩባ ዝስራሕ ገድብ ንስራሕቲ መስኖ ከምዝውዕል ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.