Fana: At a Speed of Life!

ብሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ቀ/ሚ ኣቢይ ዝተልኣኸ ደብዳበ ንፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ ደብዳበ ንፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብፂሑ።

እቲ መልእኽቲ ፍሉይ ኣማኻሪ ጉዳያት ኣፍሪካ ንፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ፍራንክ ፓሪስ ተቐቢለምዎ።

ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ብዝምልከት ኣብ እዋን እቲ ርኽክብ ደብዳበ ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ይካየዱ ብዛዕባ ዘለዉ ሰብኣዊ ደገፋትን እግሪ ምትካልን መበርሂ ሂበን።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሴኔት ፈረንሳይ ብምርካብ ምስ ምክትል ፕሬዚዳነት እቲ ሰኔት ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጉዕዞ ለውጢን ውፅኢቱን ብዝምልከት ኣረዲኡ።

ኣብቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደር ግርማ ተመስገን፣ ኣማኻሩ ጉዳያት ወፃኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሄኖክ ተፈራ ሻወል፣  ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ዘካተተ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.