Fana: At a Speed of Life!

ብሚኒስትር ዴኤታ  ኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢንተርፕራይዛት ናብ ስራሕ ንክኣትው ዝዓለመ ዑደት ኣብ ትግራይ ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)<span;>ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ <span;>ኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ<span;> ዝመርሕዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ፌደራል ዑደትን ዘተን ኣካይዱ።

ርእሰ ምምሕዳር  ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ዝቲ ግዝያዊ ምምሕሳር ዶ/ር ገ/ሂወት ዓገባን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቦም ነቶም ኣጋይሽ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኤጀንሲ ልምዓት ኢንዱስትሪን ማኒፋክቸሪንግን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ከምዝገለፆ፥ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝነበረ ኵናት ዘስዓቦ ከቢድ ዕንወት ትካላት ኢንዱስትሪ ህፁፅ መፍትሒ ንምሃብ ሓለፍትን ክኢላታትን ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ  ፌደራል ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ/ም ዑደት ኣካይዶም ነይሮም።

<span;>ካብዚ .ብምብጋስ ሚኒስትር ዲኤታ ኣይተ ታረቀኝ ብሉልታ ዝመርሕዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ኢንስቲቱት ልምዓት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ፌደራልን ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያን ኣብ ኵሓ ኣብ ዝርከቡ መፍረይቲ ትካላት ናይ ሓደ ማዓልቲ ዑደት ኣካይዶም።

<span;>እቲ ቅድሚ ሐዚ ዝተኻየደ ዑደት ሰፊሕ ጉድኣት ዝበፅሖም ኣብ መቐለን ውቕሮን ዝርከቡ ትካላት ዲቢኤል፣ ቬሎሲቲ፣ ሸባ ሌዘርን ሰማያታ እምነበረድን መሰረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ።

<span;> ሐዚ ድማ ኣብ ኵሓ ዝርከቡ ትካላት ብፍላይ ኣካላዊ ጉድኣት ዘይበፅሖም ግን ድማ ብሰንኪ እቲ ኵናት ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ዝነበሩ ኢታካን ኢታይን (ኣብ ህንፀት ዝነበረ) ጨርቃ መርቂ ፋብሪካታትን ጉድኣት ዝበፅሖም ዲቢኤልን መፍረይ ኣቑሑ ቢሮን ገዛን ወልደገብሪኤል ኣባዲን ዝረኣዩ ኮይኖም፥ እቶም ትካላት ብቐጥታ ናብ ስራሕ ንኽምለሱ ዘድልዮዎም መፍትሕታት መሰረት ዝገበረ ዘተ ‘ውን ተኻይዱ።

<span;>ድሕሪ እቲ ዑደት ኣካላት ማነጅመንት ቢሮ ኢንዱስትሪ፣ ካብ ኮምሽን ኢንቨስትመንት፣ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት፣ ትካላት ፋይናን (ንግዲ ባንኪ፣ ደደቢት፣ ልምዓት ባንኪ፣ ካዛ ሊዝ ፋይናን)፣ ትእምት፣ መብራህቲ ሓይሊን ካልኦትን ሓዊሱ 18 ዝኾኑ ሰብ ዋናን ተወከልቲ መፍረይቲን ኣብቲ ዑደት ዝረኣዩዎን ካልኦት እዋናዊ ኩነታት መፍረይትናን መሰረት ዝገበረ ዘተ ተኻይዱ።

<span;> መፍረይቲ፣ ተወከልቲ መፍረይትን ሰብ ዋናን ናብ ስራሕ ንከይምለሱ ዝገብሩዎም ፀገማትን ዘድልዩዎም መፍትሕታትን ኣቕሪቦም።

<span;> ካብ ፌደራል ዝኸዱ ሓለፍቲ ድማ መፍረይትና ናብ ስራሕ ንኽምለሱ ክስርሑ ዘለዎም ኩሎም ስራሕቲ ንክሰርሑን ካለኦት ተወሰኽቲ ድጋፋት ንኽገብሩን ቃል ኣትዮም።

<span;>ተወካሊ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ብግደኦም፥ መፍረይቲ ትካላት ናብ ንቡር ስርሖም ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንኢዶም።

<span;> ግዝያዊ ምምሕዳር ዘድልዩ ኩሎም ድጋፋት ንኽሰርሑ ‘ውን ቃል ኣትዮም።

<span;><span;>እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
<span;>ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
<span;>ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
<span;>ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
<span;>ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
<span;>https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
<span;>ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
<span;>https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።</span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;></span;>

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.