Fana: At a Speed of Life!

ብሪታኒያ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ቀረብ ምትእስሳር ፍርያት ማዕበልቲ ሃገራት ንምቁፅጣር ዝሕግዝ መርሃግብሪ 6 ነጥቢ 85 ሚሊየን ፓውንድ ሓገዝ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ እንግሊዝ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ብምትሕብባር ቀረብ ምትእስሳር ፍርያት ማዕበልቲ ሃገራት ንምቁፅፃር ዝውዕል መርሃግብሪ 6 ነጥቢ 85 ሚሊየን ፓውንድ ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ መርሃ-ግብሪ ኣብ እዋን ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሽጢ ማዕበልቲ ሃገራት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ፤ ብሪታኒያ ካብተን ሃገራት እተእትዎም ኣድለይቲ ፍርያታት ሓለዋ ንክረኽቡ ከምዝገብር ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንዝርከቡ ናብ 1 ሚሊየን ዝፀግዑ ሰራሕተጋታትን ስድራቤቶምን ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ምስ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ብምትሕብባር ዝግበር ቲ ሓገዝ፥ ካብ ማዕበልቲ ሃገራት ናብ ብሪታኒያ ዝለኣኹ ፍርያታት ምትእስሳሮም ሓሊዮም ንኽቕፅሉ ከምዝሕግዝን ኣብተን ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ተረባሕቲ ከምዝገብርን ተገሊፁ።

እንግሊዝ 20 ሚኢታዊ ዝኸውን ፍርያት ምግቢን መስተን ካብ ማዕበልቲ ሃገራት ተእቱ እንትትከውን፥ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና መብዝሕተኦም ፍርያታት ቀረብ ምትእስሳሮም ተጎዲኡ ኢዩ።

እቲ ሓዱሽ መርሃ-ግብሪ ኣትክልቲ፣ ቡናን ክዳውንቲን ዝኣምሰሉ ፍርያታት ምትእስሳሮም እንተይተቖራረፀ ናብ እንግሊዝ ንምእታው ዝሕግዝ ምባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ካብ ውሽጢ እቲ ዝተመደበ መርሃ ግብሪ እቲ 4 ነጥቢ 85 ሚለየን ፓውንድ ካብ መንግስቲ ብሪታኒያ ከምኡ እውን 2 ሚሊየን ፓውንድ ድማ ካብ ትካላት ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ብዋንኡ ካብ ኢትዮጵያ፣ ማይናማር፣ ባንግላዴሽ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ ፣ ታንዛኒያን ሩዋንዳን ዝኣትዉ ፍርያታት ንቅልጣፍን ሰራሕተኛታት ንምሕጋዝን ዝውዕል ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.