Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ካብ ዝተለኸፉ ሰባት ኣስታት 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሐሹዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስኮሮና ካብ ዝተለኸፉ 7 ነጥቢ 6 ሚላየን ሰባት እቶም ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ሚልዮን ሐሹዎም ነናብ ገዘኦም ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

ሕዱር ሕማም ዝነበሮም፣ ኣረጋውያንን ናይ ምፅዋር ዓቕሞም ድኹም ኮይኑ ዝፀንሐን 425 ሺሕን 869 ሰባት ድማ ብምኽኒያት እቲ ሕማም ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ብምቁፅፃር ኣእዳውና ደጋጊምና ብማይን ሳምናን ምሕፃብ፣ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ተግባራዊ ብምግባር፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ካብቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘለና ምዃኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.