Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ካሳሁን ጎፌ ዝተመርሐ ልኡክ ምስ ሚኒስትር ንግዲን ቱሪዝምን ጅቡቲ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ካሳሁን ጎፌ ዝተመርሐ ልኡክ ምስ ሚኒስትር ንግዲን ቱሪዝምን ጅቡቲ ዓሊ ዳውድ ተዛቲዩ።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ስምምዓት ፍርያት ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ትኹረት ገይሮም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ጂቡቲ ዝኣተወ÷ ሓበራዊ ኮሚቴ ሚኒስትራት ክልቲአን ሃገራት ቅድም ክብል ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ኣኼባ ዝገበሩዎም ስምምዓት ንግዲ ስዒቡ ከምዝኾነ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቱ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.