Fana: At a Speed of Life!

ብኣፈፀምቲ ኣካላት ዝበፅሑ ምምሕዳራዊ በደላት መፍትሒ ንክረኽቡ ኣብ ምግባር ፀገማት የጋጥምዎ ከምዘለዉ ትካል ሓባሲ ንብዓት ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሱናት ኣፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ለዕሊ ዜጋታት ዘበፅሕዎ ምምሕዳራዊ በደላት ንምስትኽኻል ዝተቐመጡ መፍትሒታት ንክረኽቡ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ፀገማት የጋጥምዎ ከምዘለዉ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ብዝምልከት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ኣዳማ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ መድረኽ ዘተ ኢዩ።

ዋና ሓባሲ ንብዓት እቲ ትካል ዶክተር እንዳለ ሃይሌ፥ በቲ ትካል ዝወሃቡ መፈትሒ ሓሳባት ብኣብዝሓ ተፈፃሚ ኣይኾኑን ዘለዉ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዓመተ 2012 ብኣፈፀምቲ ኣካላት ዝበፅሑ ምምሕዳራዊ በደላት ብምምርማር ዝተቐመጡ መፍትሒ ሓሳባት ተፈፃሚ ከምዘይኮኑ ሓቢሮም።

በአስር ዓመቱ መሪ ዕቅድ መሰረት ኢተዮጵያ በአፍሪካ ሞዴል የዕንባ ጠባቂ ተቋም የመፍጠር አላማ ሰንቃለች።

ኢትዮጵያ ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኣብ ኣፍሪካ ሞዴል ትካል ሓባሲ ንብዓት ንምፍጣር ዕላማ እኳ እንተተትሓዘ እቲ ትልሚ ንምዕዋት ብዙሓት ስራሕቲ ትፅቢት ከምዝግበሩ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.